ኣመልከትቲ ዜግነት እዞም ዝስዕቡ ሰነዳት ክህልዎም ኣለዎ፤
-
መበቀላዊ ቀዋሚ መንበሪ(Green Card)
-
ክልተ ፓስፖርት ዝዓቐኑ ስእልታት
-
ናይ ስተይት መለለዪ መንነት/ ፍቓድ መዘወሪ መኪና
-
ካብ ኣመሪካ ወጻኢ ዝተገብሩ መገሻታት: ዝወጸሉ ዕለት፣ ወርሒን ዓመትን ዝተመልሰሉ ዕለትን፣ ወርሕን ዓመት። ጠቕላላ ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ዘሕለፍካዮ መዓልታት።
-
ሙሉእ ስምን ዕለተ ልደትን ኣደ / ዜጋ እንተኾይና/
-
ኣቦ ሙሉእ ስምን ዕለተ ልደትን / ዜጋ እንተኾይኑ/
-
ናይ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ኣድራሻ : ዝተኣትወሉን ዝተወጽኣሉን ዕለት /ወርሕን ዓመትን
-
ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ሓበሬታ ስራሕ ...... ስም ኣስራሒ፣ ካብ ------ ክሳብ---- ከምኡ እውን ዓይነት ስራሕ
-
ሓበሬታ ቆለዑ፡ ምሉእ ስምን ዕለት ልደትን / ቀዋሚ መንበሪ(Green Card)
-
$725 ክፍሊት መመልከቲ , ወይ ድማ እቲ ክፍሊት DSHS ደብዳቤ ናይ መወዳእታ ቅዳሕ እንተሃልዩካ ክሕደግ ይኽእል።
-
ናይ መርዓ ምስክር ወረቐት /እንተተመርዓወ/
-
ናይ ፍትሕ ምስክር ወረቐት/ ተፋቲሕካ/

ንቀዋሚ መንበሪ(Green Card) ካርድ ክትዳሎ ዝግበኣካ ሰነዳት፡ I-485

-
ስእልታት - ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ተመሳሳሊ ሕብሪ ዘለዎም ብቅዲ ፓስፖርት
ዝተሳእሉ ስእልታት፡ ናይ ገዛእ ርእስኻን እቶም እተመልክቱሎም ኣባላት
ስድራቤታትን -
ጸብጻብ ሕክምናዊ መርመራን መዝገብ ክታበትን (ቅጥዒ I-693)
-
ብመንግስቲ ዝሃበ መንነት ሰነድ ስእሊ ዘለዎ /መንነት/
-
I-94 ሰነድ ስደተኛ ወይ ኩነታት ምሕታት ዑቕባ ዘርኢ
-
ናይ መርዓ ምስክር ወረቐትን ካልእ ናይ ዝምድና መርትዖን/ እንተሃልዩ/
-
ናይ ቆልዑ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ስም ክልቲኦም ወለዲ ዘርኢ / ንስደተኛታት
ዘየድሊ ረቛሒ። -
ኣብዚ ሕጂ እዋን እትነብረሉ ቦታ ኣድራሻ
-
ቅድሚ ሕጂ ናብ ኣሜሪካ ካብ እትመጽእ ጀሚርካ ትነብረሉ ዝነበርካ ኣድራሻ
-
ካብ ኣሜሪካ ወጻኢ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝነበርካ ኣድራሻ።
-
ሓበሬታ ብዛዕባ ኩሎም ደቅኹም ፣ ስም፣ ዕለት ልደት፣ ከምኡውን ሃገር ልደት
-
ናይ ገንዘብ ትእዛዝ (Money Order) $ 1,225


